Fana: At a Speed of Life!

ዞባዊ ኣኼባ ሰላም ድሕንትን ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዞባዊ ኣኼባ ሰላም ድሕንትን በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)፣ ዳይሬክተ ፕሮግራም ሰላምን ድሕንነትን ኢጋድ ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ልኡኻትን መሓዙት ልምዓትን ተረኺቦም።

እቲ ኣኼባ ኢጋድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025ን 2026 ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ቅድሚት ትኹረት ዝሃቦም ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ምስ ድሌት መሓዙት ኣካላት ኣጠዓዒምካ ምኻድ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምዝታይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኢጋድ ኣብ ምርግጋእ እቲ ዞባ፣ ሓደጋ ኣቐዲምካ ንምክልኻልን ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒታት ተግባራዊ ንምግባርን ዘለዎ ቆራፅነት ከምዘርኢ ምግላፁ ሓበሬታ ኢጋድ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.