ዩኤን ውመን ንማዕርነት ስርዓተ ፆታን ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕን ሓገዙ ከምዘጠናኽር ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ምስ ሪጅናል ዳይሬክተር ዩኤን ውመን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ደቡባዊ ኣፍሪካን ማዳም ኣና ሙታቫቲ ተዛቲየን።
እተን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝገበረኦ ዘተ ኣብ ማዕርነት ስርዓተ ፆታን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ምብቃዕን ተተሓሒዙ ኣብ ዝተጀመሩን ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ኢኒሼቲቮችን ዘድሀበ ኢዩ።
ኤርጎጌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ እቲ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ኣመራርሓን ውሳነ ወሃባይነት ግደአን ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕ ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ።
ምስ ዩኤን ውመን ብምትሕብባር እውን ብሄራዊ ፖሊሲ ደቂ ኣንስትዮ ክለሳ ከምዝተገበረ፣ መግለፂ ቤጂንግ+30 ምድላው ሃገራዊ ሪፖርት መርሃ ግብሪ ተግባሪን ብምዝዛም ብእዋኑ ምልኣኽ ከምዝተኽኣለ፣ ሕብረት ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ምውዳብን ናይ ምጥንኻር ስራሕን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ብጎንፂ ዝተጎድዳ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰላምን ድሕንነት ዘለወን ተሳትፎ ንምጉላህ፣ ጎንፂ ንምክልኻን መሊስካ ንምጥያሽን ዝሕግዝ ምድላው ብሄራዊ መርሃ ግብሪ ተግባር እናተኻየደ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ነዚ ድማ ብወገን ዩኤን ውመን እናተገበረ ንዘሎ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪበን።
ሪጅናል ዳይሬክተር ዩኤን ውመን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ደቡባዊ ኣፍሪካን ማዳም ኣና ሙታቫቲ ብግደአን፥ እቲ ሚኒስቴር ንምኽባር መሰል ደቂ ኣንስትዮ፣ ንማዕርነት ስርዓተ ፆታን ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕን ዝተጓዓዞ ርሕቐትን ዝተረኸበ ውፅኢትን ንኢደን።
ኣብ ቀፃ እውን ዩኤን ውመን ስራሕቲ ኣጠናኺርካ ክቕፅሉ ንምግባርን ሓደሽቲ ኢኒሼቲቫት ናብ ስራሕ ብምእታውን ንደቂ ኣንስትዮ ዝሐሸ ተረባሕነት ብሓባር ከምዝሰርሕን ሓገዝ ከምዝገብርን ምግላፀን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።