ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ተፋኒ ዝነበረት ኣዶ ሓዊሱ 3 ሰባት ብሓደጋ ትራፊክ ህይወቶም ስኢኖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደብረ ብርሃን ዝጓዓዝ ዝነበረ ተሽከርካሪ ደረቕ ፅዕነት ኣብ ከባቢ ጠባሴ እንትበፅሕ መገዲ ስሒቱ ብምውፃእ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ሓደጋ ኣብፂሑ።
በቲ ሎሚ ንጎሆ ሰዓት 1፡00 ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ፥ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ተፋኒ ዝነበረት ኣዶ ሓዊሱ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።
መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር ደብረ ብርሃን ከምዝገለፆ፥ ኣብ ልዕሊ ካልኦት 9 ሰባት እውን ጉድኣት በፂሑ ኢዩ።
እቲ ሓደጋ ዘብፀሐ ገናሒ መኪና ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ንፋና ዲጂታል ሓቢሩ።
ብኣላዩ ገረመው