Fana: At a Speed of Life!

ዳይሬክተር ዩኤን ዲፒ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንኢደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ዩኤን ዲፒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣሁና ኤዚያኮንዋ ዘቲየን።

እተን ዳይሬክተር፥ ኣዲስ ኣበባ ንነበርታ ምቹእቲ ንምግባር ኣብ ዝተጀመረ ስራሕቲ መሊስካ ምልማዕ ምንኣደን እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ ገሊፀን።

ብልምዓት እታ ከተማ ተረባሕነት ነበርቲ ዘረጋገፀ ሓቛፊ ስትራቴጂ ልምዓት ምትግባሩ መንበሪ ኣባይቶም ብልምዓት ኣብ ዝተልዓለሎም ሰባት ኣብ ዝገበርኡ ዑደት ካብኣንደበት ቶም ነበርቲ መስምዐን ከምዘሐጎሰን ገሊፀን ክብላ እተን ከንቲባ ሓቢረን።

እዚ ተግባር ኣብ ከተማታት ኣፍሪካ ከም ልምዲ ክሰፍሕን ኣዲስ ኣበባ እውን ግድኣ ክትዋፃእን ከምዝግባእ እተን ዳይሬክተር ምዝራበን ተገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.