Fana: At a Speed of Life!

ድሕንነት ተፋሰስ ኣዋሽ ብምሕላው ሓምለዋይ ልምዓት ንምድጋፍ ዘክእል ስምምዕነት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስተር ማይን ኢነርጂን ደሕንነት ተፋሰስ ኣዋሽ ብምሕላው ሓምለዋይ ልምዓት ንምድጋፍ ዘክእል ስምምዕነት ምስ ሰበ መዚ ማይ ኔዘርላንድ ተኻይዱ።

ሚኒስተር ማይን ኢነርጂን ደሕንነት ተፋሰስ ኣዋሽ ምስ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ዓፋርን አብ ፅሬት ማይ፣ ምደባ ማይን ውሕጅ ንምክልካልን ዘኽእል ማዕቐፍ ምትሕብባር ብምስንዳእን ስምምዕነት ብምውሳድን እናሰርሑ ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ።

ሰበ መዚ መንግስቲ ኔዘርላንድ  ኣብ ተፋሰስ ኣዋሽ ዝተመሓየሸ ቀረብ ማይን ፅሬትን ንኽህሉ፤ ሓምለዋይ ልምዓት ንምጥንኻርን ውሕጅ ኣብ ምክልኻል ዝስርሑ ስራሕቲ ንምድጋፍ ስምምዕነት ኣካይዱ ኣሎ።

እቲ ኘሮጀክት÷ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበሩ መፍትሒታት ብምዉሳድ ቀረብ ማይ ንምምሕያሽ ኣብ ዘለው መሰረተ ልምዓታት ጠመተ ዝገበረ እዩ።

ሓበራዊ ተረባሕቲ እቲ ተፋሰስ ዝኮና ክልላት ተግባራዊ ከምዝከውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.