ዶ/ር መቅደስ ዳባ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም እቲ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ተዛቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም እቲ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዳንኤል ደሉቲዝኪይ ተዛቲየን፡፡
ኣብ ዘተአን ድማ ፕሮጀክታት ባንኪ ዓለም ብዘዕግብ ኩነታት እናተተግበሩ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን፡፡
ምስቲ ባንኪ ዘሎ ምትሕብባር ብምጥንኻር ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ሞያ፣ መፍረያይነት ውሽጢ ሃገር ምዕባይ፣ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ሓቆፍ ጥዕና ምስፋሕን ዲጂታይዝ ኣብ ምግባርን ጠሚተን ከምዝተዛተያ እውን ገሊፀን፡፡