Fana: At a Speed of Life!

ጀርመን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ከምተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ጀርመን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባርን ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታትን ኣተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ኢትዮጵያ ራሚዝ ኣላክባሮቭ (ዶ/ር)፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት(ዩኤንኤችሲአር) ኣብ ኢትዮጵያ አንድሪው ምቦጎሪ፣ ተወካሊ ኢትዮጵያ ትካል ኣድሕን ህፃናት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣቡበከር ካምፖ፣ ተወካሊ ቢሮ ኤጀንሲ ደቂ ኣንስትዮ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ሲሲል ሙካሩቡጋን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ዝተረከብሉ ጋዜጣዊ መግለፂ ተዋሂቡ።

 

ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ የንስ ሃነፌልድ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሃገሮም ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ዝገበረቶ ሰብኣዊ ሓገዝ ተግባራዊ ዝኸውን ብኤጀንሲ ደቂ ኣንስትዩ ዩኤን፣ ዩኒሴፍን ዩኤንኤችሲኣርን ኣቢሉ እዩ ኢሎም፡፡

ከምኡውን ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታትን ዘለዋ ምሕዝነት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም፡፡

ተወካሊ ኢትዮጵያ ዩኤንኤችሲአር አንድሪው ምቦጎሪ ብወገኖም፥ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመፅኡ ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለው ኣፍሊጦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.