ጃፓን ልዕሊ 63 ሺሕ ኩንታል ደገፍ ዘበናዊ ዱኽዒ ገይራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፍሪያት ግብርና ንምሕጋዝ ዘኽእል ልዕሊ 63 ሺሕ ኩንታል ደገፍ ዘበናዊ ዱኽዒ ገይሩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ግብርና ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)÷ሚኒስቴር ግብርና እቲ ደገፍ ኣብ መዓልኡ ንክውዕል ክትትልን ደገፍን ከምዝገብር ኣረጋጊፀን።
ንፍሪያት ግብርና ልዑል ሓገዝ ከምዝህልዎ እውን ኣብሪሀን።
ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ሺቢታ ሂሮኖሪ ብግደኦም፥ መንግስቶም ጉዕዞ ልምዓት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ይድግፍ ከምዘሎ ገሊፆም።
ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ መሰረተ ልምዓት፣ ኢንዱስትሪ፣ ትምህርቲ ከምኡውን ጥዕና ህይወት ዜጋታት ንምምሕያሽ ደገፋት ይግበሩ ከምዘሎዉ ኣብሪሆም።