ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ማእኸልነት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ብዘገልህ መልክዑ ንምትእንጋድ ምድላው ተገይሩ – ብሄራዊ ኮሚቴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ማእኸልነት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ብዘገልህ መልክዑ ንምትእንጋድ ዝተማለአ ምድላው ከምዝተገበረ ኣካቢት ብሄራዊ ኮሚቴን ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ገሊፀን፡፡
እቲ ጉባኤ ብዓወት ንምውጋን 35 ትካላት ብመሓዝ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ መዛዘሚ ቅድመ ምድላዋቱ ብዝምልከት ብሓባር መብርሂ ሂቡ።
ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ ንመበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ስራሕን እኹል ምድላው ተገይሩ።
ናይ ዚዓመት ጉባኤ መራሕቲ ማእኸልነት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ብዘገልህ መልክዑ ትኹረት ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ዝሓፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ከረጋግፁ ዝኽእሉ ልዕሊ 40 ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ከምዘተኣናገደት ተዛሪበን።
ኣብ መበል 38 ጉበኣ እቲ ሕብረት ፤ ኢትዮጵያ ከም ኣባልን መተኣናገዲትን ሃገር እቲ ምድላው ግልፂ ኣካይዳ ንኽህልዎ ማኑዋል ከምዘሰናደአት እውን ኣብሪሀን።