ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ፥ “መከሓሓሲ ፈትሒ ንኣፍሪካውያንን ወሎዶ ኣፍሪካዊያንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓላፍቲ ዓለም ለኸ ትካላት ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቲ ጉባኤ፥ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣጀንዳታት ብምምካር ውሳነታት ከተሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኣጀንዳታት ትካላዊ መመሓየሺ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ናይ መከሓሓሲ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ ዝግበሩ ዘለዉ ምንቅስቓሳት፣ ኣህጉራዊ ሰላምን ድሕንነትን ዘተ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣፈፃፅማን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንግዲን ኢኮኖሚን ነፃ ቀጠና ነግዲ ኣፍሪካ፣ ገብርናን ክሊማዊ ለውጢን፣ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሰርዓተ ፆታን መናእሰይ ምብቃዕን ከምኡውን ኣወዳድባ ትካላት ዝጠመተ ኣጀንዳታት እቲ ጉባኤ ክዛተ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ።
5ን 6ን ለካቲት 2017 ዓ.ም ዝተሳለጠ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ እቶም መራሕቲ ዝዛተይሉ ኣጀንዳታት ምፅዳቑ ይፍለጥ።