Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብዓወት ምዝዛሙ ጥምር ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ብዓወት ምዝዛሙ ጥምር ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ጥምር ሓይሊ፥ ሰላመን ድሕንነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝበለፀ ብምጥንኻር መንቅስቓስ ህዝቢ ብዘይምግታእ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝሓሸ መገዲ ፍሰት ትራፊክ ስሉጥ ብምግባር ብምውዳድ ብምስርሑ እቲ ጉባኤ ብዓወት ምዝዛሙ ገሊፁ።

ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ዝመፅኡ ኣጋይሽ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ እንትንቀሳቐሱ ብምዕቡል ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዕጀባን ኣተኣማማኒ ሓለዋን ምግባሩ እውን ሓቢሩ።

ኣብ ተግባር ምኽባር ፀፅታ ዘኹርዕን ኢትዮጵያ ሕብረት ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዘለዋ ግደን ቁርፀኝነተን ኣጉሊሁ ዘርአየን ከምዝነበረ እቲ ጥምር ሓይሊ ገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.