Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ ህልውና ዝኾነ መማራፂ ወደብ ናይ ምስፋሕ ፃዕሪ ንክጠናኸር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቅልጡፍ ምዕባለ ኣብ ምርኣይ ንዝርከብ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ንምስላጥ መማረፂ ወደብ ምስፋሕ ጉዳይ ህልውና ምዃኑ ማሕበራት ሰብ ሃፍቲን ገናሕቲ ከቢድ መኪናን ገሊፆም፡፡
መብዛሕቲኡ ናይታ ሃገር ኣታዊን ወፃእን ንግዲ ብወደብ ጅቡቲ ፅግዕተኛ ብምዃኑ እቲ ዓዉዲ ኣብ ምስላጥ ፀገም ከምዘለዎ እቶም ማሕበራት ሓቢሮም፡፡
በዙይ እዉን መማረፂ ወደብ ብእኹል ኩነታት ብዘይምህላው ቕልጡፍ ናውቲታት ምጉዕዓዝን ዋጋን ኣንፃር ክፍተታት ንኽፍጠሩ ምግባሩ ተገሊፁ፡፡
ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናዓበየት ከም ምዃና መንግስቲ መማረፂ ወደባት ንምርካብ ዝጀመሮ ፃዕሪ ግቡእን ዓብዩ ስጉምቲን ምዃኑን ብምግላፅ÷ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡
እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ወደብ ክትረክብ ከላ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ብዝበለፀ ንምስላጥን ተናሓናሒነትን ንምስፋሕ እጃሙ ዕዙዝ ምዃኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.