Fana: At a Speed of Life!

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ብብርኪ ዓለም ተቐባልነት ክረክብ ምግባር ታኻሉ ኢዩ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዝሐሸ ተቐባልነት ክረክብ ምግባር ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ 100 መዓልቲ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት በጀት 2017 ዓ.ምን ኣፈፃፅማ ትግበራ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተማለአ ማክሮ ኢኮኖሚን ተገምጊሙ።

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን ርክባት ዲፕሎማሲ ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ብሪክስ ዕዉት ተሳትፎ ምግባራ ከምኡ እውን ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ከምዘተኣናገደትን ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን እቲ ሕብረት ብምዃን ከምዝተመረፀት ኣልዒሎም።

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ጉዳይ ወደብን ባሕሪን ተተሓሒዞም ዝነበሩ ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ መገዲ ምፍታሕ ከምዝተኽኣለ ብምሕባር÷ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ዝሐሸ ተቐባልነት ክረክብ ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ኣመልኪቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራግቲ ሪፎርም ዓቕሚን ፅዕንቶ ፈጣራይነትን ኢትዮጵያ ብዝበለፀ እናጎልበቱ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ኣብ መሰረተ ልምዓት ሓይሊ እቲ ዞባ ንምትእስሳር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝወገነት ፀሪሖም።

እዚ ድማ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይተወሰነ ነቲ ዞባ ዓቕሚ ከምዝኾነ ብጭቡጥ ዝተርኣየሉ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ብሓፈሻ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽብሩ ዕዉታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.