Fana: At a Speed of Life!

ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ናይጄሪያን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ናይጄሪያ የሱፍ ማይታማ ተገር ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ኣህጉራዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምልዛቦም ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊያ ዓሊ ሞሃመድ ኦማር ኣብ ከልቲኣዊን ከባቢያዊን ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ምዝታዮም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድአ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.