ግልጋሎት ሎጀስቲክስ ስሉጥን ዘበኑ ዝጠልቦን ንክኸውን ይስራሕ ኣሎ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንዝተውፃእፅኣ 100 መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ሎጀስቲክስ ንምውፋር ዘኽእል ስልጠና ተጀሚሩ።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ሎጀስቲክስ ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ሃገር ብምዃኑ ግልጋሎቱ ስሉጥን ዘበኑ ዝጠልቦን ክኸውን ይግባእ፡፡
ነዙይ እውን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ምፍራይ ከምዘድሊ ብምሕባር÷ “መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ንምውፋር ዝተጀመረ ስልጠና ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ክፍተት ንምምላእ ዘኽእል ኢዩ” ኢሎም፡፡
መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ስልጠና ምስ ወሰዳ ናብ ስራሕ ንክዋፈራ ሓገዝ ከምዝግበረለን ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡