ግልጋሎት ጥዕና ብዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባር ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስርዓት ጥዕና ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ብዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባር ጠመተ ብመሃብ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ÷ ብኣሰናዳእነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓውዲ ጥዕና ካብ ሕብረተሰብ ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂበን፡፡
በማብራሪያቸውም አሁን ላይ በኢትዮጵያ መከላከል እና አክሞ ማዳን ፖሊስ ላይ የተመሰረተ ሁሉን አቀፍ የጤና አገልግሎት እየተሰጠ መሆኑን ተናግረዋል፡፡
ኣብ መብርሂኤን ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲ ምክልኻልን ሓኪምካ ምድሓንን ዝተመርኮሰ ንኩሉ ዝሓቑፍ ግልጋሎት ጥዕና እናተውሃበ ምዃኑ ተዛሪበን፡፡
መብዛሕትኡ ግልጋሎት ሕክምና ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝውሃብ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ናብ ወፃኢ ሃገራት ብምኻድ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽቡ ዜጋታት ምህላዎም ገሊፀን፡፡
ተላላፊ ለሆኑና በሀገር ውስጥ አቅም መታከም ለሚችሉ ሕመሞች በሀገር ውስጥ ሕክምና እንደሚሰጥ ያስረዱት ሚኒስትሯ÷ በአንጻሩ ተላላፊ ያልሆኑና ውስብስብ የጤና እክል ያለባቸው ዜጎች በውጪ ሀገራት እንዲታከሙ ይደረጋል ብለዋል፡፡
ተመሓላለፍቲ ንዝኾኑን ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ክሕከሙ ዝኽእሉን ኽማማት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝሀሃብ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር÷ ብተፃራሪ ድማ ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑን ዝተሓላለኸ ፀገም ጥዕናን ዘለዎም ዜጋታት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ክሕከሙ ክግበር ኢዩ ኢለን፡፡
82 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ትካላት ጥዕና መንግስቲ ሕክምና ከምዝረክብ ብምሕባር÷ 18 ሚኢታዊ ድማ ኣብ ውልቀ ትካላት ግልጋሎት ሕክምና ከምዝረኽቡ ገሊፀን፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ጥዕና ተበፃሒነት፣ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ሙያታት፣ ቀረብ ናውቲ ሕክምናን ፍትሓዊነትን ፅቡቕ ምምሕያሽ ከምዘርአየ ሓቢረን፡፡
ብኣቤል ንዋይ