Fana: At a Speed of Life!

ግሩፕ ኢትዮ ኢንጅነሪንግ ብቻርጅ ዝሰርሓ ስኩተራትን ብስክሌታትን ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መፍረዪ ኢንዱስትሪ ግሩፕ ኢትዮ ኢንጅነሪንግ ብቻርጅ ዝሰርሓ ስኩተራትን ብስክሌታትን ምፍራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ግሩፕ ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎ ከምዝገለፁዎ፤ ብኤሌክትሪክ ቻርጅ ዝሰርሓት ስኩተርን ብስክሌታትን ፀገም ትራንስፖርት ብምቅላልን ምጭንናቕ ትራፊክን ኣብ ምንካይ ኣስተዋፅኦ ኣለወን።

እቶም ፍርያታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ክልል ከተማታት እናተሰርሑ ንዝርከቡ ልምዓታት ኮሪደር ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ናብ ዕዳጋ ከምዝቐርቡ ተሓቢሩ።

ብመራኦል ከድር

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.