ግድብ ህዳሰ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድኽነት ዝተጎናፀፈቶ ዳግማይ ዓድዋ ምኳኑ ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዩ ግድብ ህዳሰ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድኽነት ዝተጎናፀቶ ዳግማይ ዓድዋ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ እቲ ግድብ ኣመልኪቱ፡፡
እቲ ቤት ፅሕፈት “ንመበል 129 ዓወት ዓድዋ እንኳዕ ኣብፀሐኩም” ብምባል መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ፡፡
ንመህነፂ ግድብ ልዕሊ 21 ቢሊየን ብር ሓገዝ ካብ ህዝቢ ከምዝኣከበ እቲ ቤት ፅሕፈት ንፋና ሚዲያ ኮርፓሬሽን ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ገሊፁ፡፡
ህዝቢ ብምትሕብባር እቲ ግድብ ኣብዚ ብርኪ ክበፅሕ ከምዝኽኣለ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ እቲ ፕሮጀክት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝወራረስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ድኽነት ዝተጎናፀፈቶ ዳግማይ ዓድዋ ምኳኑ ኣገንዚቡ፡፡
ብተሳትፎ ኢትዮጵያዉያን፣ ትዉልደ ኢትዮጵያዉያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን መስዋእቲ ዝተከፈለሉ ፕሮጀክት ምኳኑ እውን ኣመላኺቱ፡፡
ኢትዮጵያ ብሃፍቲ ተፈጥሮኣ ከይትለምዕ ፀላእታ ንዘመናት ዋላ ኳ እንተፅዓሩ ፤ መንግስቲን ህዝቢን ብምትሕብባር ማዕቀፍ ስምምዕነት ተፋሰስ ሃገራት ብምፅዳቕ ኣብቲ ዞባ ናይቲ ክፍለ ዘመን ዓወት ኣመዝጊባ ኢሉ፡፡
ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ መላእ ህዝቢታት ሃገርና ኢሉ እውን ህዝቢተታት ተፋሰስ ሃገራት ብሓባር ናይ ምዕባይ ድሌት ኣብ ሓደ ፅላል ዘተኣኻኸበ፤ ኣብቲ ዞባ ናይ ይከኣል መንፈስ ብተግባር ዘረጋገፀ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ፡፡