ጥምረት መፍትሒ ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣፍሪካ ቢርኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጥምረት መፍትሒ ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣፍሪካ ቢርኡ ኣብ ትሕቲ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ።
እቲ ቢሮ፥ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን ብምክያድ ንመውፃእቲ ፖሊሲ እታዎት ዝኾኑ ሳይንሳዊ መፍትሒታት ከምዘቕርብ እውን ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት እቲ ጥምረት ጀፍሪ ሳክስ (ፕ/ር)፥ ፈላማይ ተግባር እቲ ጥምረት ኣብ ዓለም ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ፍትሒን ምንጋስ ኢዩ ኢሎም።
ንመንግስቲ ምድጋፍ ምዕዋት ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ብምዃኑ፥ ዩንቨርስቲታትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ቆላሕታ ክገብሩ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።