Fana: At a Speed of Life!

ጥንኩርን ዘይብዳህን ስርዓት ጥዕና ንምዝርጋሕ ብቖራፅነት ይስራሕ ኣሎ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ጥንኩርን ዘይብዳህን ስርዓት ጥዕና ንምዝርጋሕ ምስ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ብቖራፅነት እናሰርሐት ትርከብ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ገሊፀን፡፡

ኢትዮዽያ ኣባል ዝኾነትሉ ቦርድ ፈፃሚ ስርሓ ትካል ጥዕና ዓለም መበል 156 ኣኼባ ኣብ ስዊዝርላንድ ጀኔቫ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ÷ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ክንክን ጥዕና ብምጉልባትን ጥንኩር ስርዓት ጥዕና ንኽህሉ ብቖራፅነት እናሰርሐት ትርከብ ኢለን።

እተን ሚኒስትር ንዘላቒ ስርዓት መሰረት ጥዕና፣ ፍርያት እታወት ሕክምና ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ፣ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ንምምላእን ብቑዕ ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕና ንምፍራይን ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።

እቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ተሳትፎን ተቐባልነትን ብምጥንኻር ኣብ ዲፕሎማሲ ጥዕና ልዑል ግደ ንምፅዋት ዝሕግዝ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.