Fana: At a Speed of Life!

ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክገብራ እየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ቦርሲያ ዶርትሙንድ ምስ ባርሴሎና ከምኡ እውን ኣስቶንቪላ ምስ ፒኤስጂ ክገጥማ እየን፡፡

ኣብ ፈላማይ ፀወታ 4 ን 0 ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍፃመ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ክተስፍሕ ዝኸኣለት ጋንታ ባርሴሎና ናብ ጀርመን ኣቕኒዓ ኣብ ሲግናል ኤዱና ፓርኪ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ምስ ቦርሲያ ዶርትሙንድ ክትገጥም እያ፡፡

ዶርትሙንድ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ቡንደስሊጋ ምስ ባየርን ሙኒክ ማዕረ ዝተፈላለት እንትከውን÷ ባርሴሎና ብግደኣ ናይ ላሊጋ መሪሕነታ ምጥንኻር ዝኸኣለትሉ ዓወት ኣመዝጊባ እያ፡፡

ብተመሳሳሊ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ኣስቶንቪላ ኣብ ሜድኣ ቪላ ፓርክ ንፈረንሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ክተተኣናግድ እያ፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ፓርክ ደ ፕሪንስ ኣብ ዘካየድኦ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ ፒኤስጂ 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝኸር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.