ፀገማት ብርእሰ ዓቕሚ ንምፅዋር ዝተጀመሩ ሃገራዊ ኢኒሼቲቫት ጭቡጥ ውፅኢት እናምፅኡ ይርከቡ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣተሓሳስባ ተሓጋዛይነት ብምውጋድ ፀገማት ብርእሰ ዓቕሚ ንምፅዋር ዝተጀመሩ ሃገራዊ ኢኒሼቲቫትን ስራሕቲ ለውጢን ጭቡጥ ውፅኢት እናምፅኡ ከምዝኾኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ማክሮ ኢኮኖሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ናይ ለውጢ መንግስቲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ ሃገራዊ ሪፎርምታት ኣካይዶም፡፡
መንግስቲ ዝወሰዶም ሃገራዊ ሪፎርምታትን ናይ ፖሊሲ ለውጢታትን ዘበናዊ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ዓቕሚ ምፍፃም ትካላት ከምዘዕበየ ገሊፆም፡፡
“መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይኑ ዝሰርሕን ህዝቢ ዘድምፅን ኢዩ” ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሰብኣዊ ልዕልናን ሃገራዊ ምዕባለን ዘረጋግፁ ተግባራት እናወገነ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡