ፈንድ ልምዓት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህነፅ ሓዱሽ ፕሮጀክት መዕርፎ ነፈርቲ ክሳተፍ ከምዝደሊ ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈንድ ልምዓት ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህነፅ ሓዱሽ ፕሮጀክት መዕርፎ ነፈርቲ ክሳተፍ ከምዝደሊ ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ትካል ዩ ዡሮይ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ምስቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ኣብ ክልተኣዊ ምትሕብባር እተን ሃገራት ብምድሃብ ተዛቲዮም።
ኣምባሳደር ተፈራ ደርበው ኣብቲ እዋን፤ ምትሕብባር እተን ሃገራት ምጥንኻርን ኢንቨስትመንት ምድንፋዕን ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነፅ ሓዱሽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሓዊሱ ኣብ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያን ኢትዮ-ቴሌኮምን ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም።
ዩ ዡሮይ ብግደኦም፤ እቲ ዘተ ምትሕብባር ልምዓት እተን ሃገራት ንምዕባይን ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምፍጣርን ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም፡፡
ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህነፅ ሓዱሽ ፕሮጀክት መዕርፎ ነፈርቲ ክሳተፍ ከምዝደሊ እውን ኣረጋጊፆም፡፡