ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ህፁፅ ኣኼባ ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 24 ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ህፁፅ ኣኼባ ሎሚ ኣብ መቀመጢ ዋና እቲ ሕብረት ምክያድ ጀሚሩ፡፡
ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንጎላን ኣቦ ወንበር እቲ ቤት ምኽሪን ቴቴ አንቶኒዮ፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ትካላት እቲ ሕብረት ፣ ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማታትን ካልኦትን ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡
ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ÷ ሰላምን ደሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ሓደ ኣባል መረፃ ከምዘካይድ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ÷ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ሓበራዊ ድልየት ዝኾኑ ጉዳያት ፖሊሲ ዘተሓባብርን ውሳነ ዝህብን ኣካል እዩ፡፡