ፋብሪካ ዘመናዊ ድኹዒ ምህናፅ ኩለመዳያዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣለዎ- ሙሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ፋብሪካ ዘመናዊ ድኹዒ ምህናፅ ኩለመዳያዊ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ሙሁራን ቁጠባዊ ሃፍቲ ኣገንዚቦም፡፡
ምስ ፋና ዲጂታል ፃንሒት ዝገበሩ ሙሁር ቁጠባዊ ሃፍቲ ኣለማየሁ ከበደ (ዶ/ር) ድልየት ዘመናዊ ድኹዒ በቢዓመቱ እናወሰኸ ምምፅኡ ብምሕባር÷ እዚ ድልየት ድማ ብውሽጢ ዓዲ ንምሽፋን ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ነዙይ እውን ፋብሪካ መፍረዩ ዘመናዊ ድኹዒ ምህናፅ ወሳኒ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡
ኣማኻሪን ሙሁር ቁጠባዊ ሃፍቲ ዪኒቨርሲቲ ስቴት ኦሮሚያን ሞሲሳ ሁሮማ (ዶ/ር) ብግዲኦም÷ ፋብሪካ ዘመናዊ ድኹዒ ምህናፅ ድልየት ውሽጢ ዓዲ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ተወሳኺ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ የኽእል እዩ ኢሎም፡፡
ቀረብ ዘመናዊ ድኹዒ ዘተኣማምን እንትኸውን ፍርያት ሕርሻ ከምዘዕብይ ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርሂን ካልኣይ ህዳሰ ኢትዮጵያ ፋብሪካ ዘመናዊ ድኹዒ ምጥያሽ እዩ ምባሎም ይዝከር፡፡
ኢትዮጵያ ዘመናዊ ድኹዒ ምፍራይ ብዘይምኽኣላ ንብዙሓት ሰበክ ሳግም ዝነክእ ጉዳይ ምዃኑን ብዘላቒነት ንምፍታሕ መፅናዕቲ ከምዝግበርን ተዛሪቦም፡፡
ብዙፋን ካሳሁን