ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሉ ኩነታት ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢን ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሎም ጉዳያት ብምምዝታይ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም፡፡
ላዕለዎት ኣመራርሓ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኣብ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ዑደት ገይሮም፡፡
ድሕሪ እቲ ዑደት ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣድማሱ ዳምጠው ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሎም ጉዳያት ብምጥማት ዘቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ እቲ ኮርፖሬሽን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ዘደንፈዖ ልምዲ ብምጥቃም ኣብ ቀፃሊ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ኣይተ ኣድማሱ ኣብሪሆም፡፡
ክልቲኦም ትካላት ኣብ ሓበራዊ ዕላማ ናይ ሓባር ምርድዳእ ከምዘሎ ብምሕባር፤ ሓበራዊ ትልሚታት ብምሕንፃፅ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ምእታው ዝከኣለሉ ዓቕሚ ከምዘሎ ኣፍሊጦም፡፡
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ለሊሴ ነሜ (ኢ/ር) ብግደአን÷ ሓለዋ ከባቢ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ ልዑል እጃም ከምዝወስዱ ኣመልኪተን፡፡
“ነዚ ድማ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ሓለዋ ከባቢ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ብሓባር ንምስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ምምራፅና ትኽክለኛ ውሳነ ኢዩ” ኢለን፡፡
ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልቲኦም ትካላት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ብቕልጡ ናብ ስራሕ ንምእታው ኣብ ምርድዳእ በፂሖም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ