Fana: At a Speed of Life!

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሙያን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር መስኮች ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያ ዘቲዮም፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ብሩክ ከድር (ዶ/ር) ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ትካል ምንቅስቓስ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዓዚቦም፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲአን ትካላት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ዓውዲታት ምትሕብባር ተዛቲዮም፡፡

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን፥ ዓውዲ ቴክኒክን ሞያን ብመንፅር ንሃገር ካብ ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦ ብዝግበኦ ልክዕ ትኹረት ንኽረክብ ብፍላይ ድማ ተሳትፎ መናእሰይ ንምዕባይ ሚዲያ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን በቲ ኢንስቲትዩት ዝሳለጡ ተግባራት ንሕብረተሰብ ተበፃሕቲ ንምግባርን ነቲ ዓውዲ ብምሕጋዝን ማሕበራዊ ሓላፊነቱ ንምውፃእ ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ትካላት ሰነድ ስምምዕነት ብምፍርራም ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.