ፍርያት መድሓኒት ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ወሳኒ ኢዩ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍርያት መድሓኒት ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ወሳኒ ኢዩ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን፡፡
እተን ሚኒስትር ምስ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ፍርያት መድሓኒት ውሽጢ ዓዲ ምዕባይ ኣብ ዝኽኣለሎም ጉዳያት ዘትየን፡፡
ኣብቲ ዘተ ፍርያት መድሓኒት ውሽጢ ዓዲ ምዕባይን ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ኣድለይቲ ስጉምቲታት ኣብ ምውሳድ ትኹረት ተገይሩ፡፡
ብተወሳኪ ክታበት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍራይ ዝኽእል ፕሮጀክት ሺልድቫክስ ጠመተ ብምግባር ከምዝተዛተዩ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ኣብ ፓርኪ ኢንዱስትሪ ቂሊንጦ ኣፍረይቲ መድሓኒት ንምስሓብ ዘኽእሉ ጉዳያት ብምስንዳእ ዘጋጥሙ ተጓንፎታት ንምቕራፍ ጉጅለ ቴክኒክ ተጣይሹ ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ቃል ተኣትዩ፡፡