Fana: At a Speed of Life!

ፑቲን ”ኲናት ጠጠው ክብል ይደሊ እየ” ክብሉ ንኣሜሪካ መዘነኦም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት አሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሩሲያ መዘነኦም ቭላድሚር ፑቲን ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ጠጠው ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ብምድሃብ ብስልኩ ተዛቲዮም፡፡

ኒዮርክ ፖስት ብምፅራሕ ኣናዶሉ ኤጀንሲ ከመዝፀብፀቦ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ምንታይ ጉዳይ ከምዝተስማዕምዑ ብግልፂ ኣይፈለጥ እምበር ንዓመታት ኣብ ዝፀንሐ ኲናት ዩክሬንን ሩሲያን ትኹት ዝገበረ ልውውጥ ስልኪ ምግባሮም ገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ድሕሪ እቲ÷ “ፑቲን ኣብቲ እዋን ዘተ ኲናት ጠጠው ንኽብል ከምኡ እውን ሞት መናእሰይ ሩሲያን ዩክሬንን ክተርፍ ከምዝደሊ ደሊፆምለይ ኢዮም” ኢሎም፡፡

ኣብ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ምብራቕ ኣውሮፓ ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ነይሩዎ ዝበሉ ትራምፕ÷ ኣብ ምምሕዳሮም ግን ሰለስተ ዓመት ክመልኦ ኣብ ዝበለ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ጠጠው ከምዝብል ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.