ፓርቲ ብልፅግና ዘሰናደኦ ስልጠና ኣመራርሓ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ዝሰናደአ ስልጠና ንኣመራርሓ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ።
እቲ ስልጠና “ድሕረ ሓቂ ዘበን ብሓቂን ፍልጠትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝተጀመረ ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ሓዊሱ ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ ስልጠና ተረኺቦም፡፡
እቲ ስልጠና ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝወሃብ ተሓቢሩ፡፡