Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ዝምድና ኢትዮጵያን ሩሲያን ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ዝምድና ኢትዮጵያን ሩሲያን ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣባል ቢሮ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ሩሲያ ኣሓት ፓርቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ፣ ሴናተር ፌዴሬሽን ሩሲያን ሓላፊ ምክትል ጉዳያት ወፃኢ ሴኔትን ኣንድሬይ ክሊሞቭ ገሊፆም።

ኣንድሬይ ክሊሞቭ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ቱሪስትን ስራሕቲ ልምዓ|ትን ዑደት ምስላጦም ገሊፆም።

እታ ከተማ ኣብ ዝነኣድ ለውጢ ከምዘላ ሓቢሮም።

እታ ከተማ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ካልኦት ስፍራታትን ዘሎ ልምዓት ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ሰሓብነት ተላቢሳ ኢያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ኣብ ስሉጥ ለውጢ ከምእትርከብ ምርግጋፅ ክኢለ ኢ ኢሎም ኣብ መግለፂኦም።

ፓርቲ ዩናይትድ ሩሲያ ዝምድና ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ዓለም ለኻዊ ጉዳያትን ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ፓርቲ ብልፅግና፥ ልምዓት ኢትዮጵያ፣ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ትኽከለኛ ቁመና ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ንዝሓሸ ልምዓት፣ ምትሕብባር ሃገራት፣ ልምዓትን ምዕባለን ተቐባልነት ዘለዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም ክብሉ ገሊፆም እቶም ሴናተር።

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.