ፕሬዚዳንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ካብ ፕሬዚዳንት ኣንጎላ ዝተለኣኸሎም መልእኽቲ ተቐቢሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታየ ኣፅቀ ስላሴ ካብ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ናይዚ ዓመት ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ዣዎ ሎሬንሶ ዝተለኣኸሎም መልእኽቲ ተቐቢሎም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያን ኣንጎላን ንዓሰርተ ዓመታት ዝፀንሐ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት ኢየን።
ኢትዮጵያ ምስ ኣንጎላ ኣብ ዘፈር ሓይሊ፣ ንግዲ፣ ቱሪዝምን ኢኖቬሽንን ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምዕባይ ቆራፅ ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።