ፕሬዚዳንት ታዬ ብሕልፈት ህይወት ነበር ፕሬዚዳንት ናሚቢያ ዝተሰመሎም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ፌደሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብሕልፈት ህይወት ነበር ፕሬዚዳንት ናሚቢያ ዝተሰመሎም ሓዘን ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ታዬ በፅሑፍ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መግለፂ ሓዘን፥ ነበር ፕሬዚዳንት ናሚቢያ ሳም ኑጆማ “ማእኸላይ ኣታዊ ናብ ዘለዋ ሃገር ዘሳገሩ መራሒ ክዝከሩ ኢዮም” ክብሉ ኣመሓላሊፎም።
ብተወሳኺ ፕሬዚዳንት ሳም ኑጆማ መስራቲ ኣቦ ናሚቢያን ሃገሮም ዝቐየሩ መራሒን ነይሮም ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።