ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ በዓል ጥምቀት ምስ ዝተረኸቡ ሃወፅቲ ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ በዓል ጥምቀት ምስ ዝተረኸቡ ሃወፅቲ ዘቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ብዙሕ ቀለም ኣብ ዝኾነ በዓል ጥምቀት ንምኽባር ናብ ጎንደር ዝመፅኡ ሃወፅቲ ዘለዎም ሰምዒት ምድማፆም ገሊፆም።
እቶም ሃወፅቲ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ህይወቶም ዘይርስዑ መዘከርታ ከምዘሕለፉን በቲ በዓል ሕጉሳት ከምዝኾኑን ተዛሪበሙኒ ኢሎም።