ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ስሪል ራማ ፎሳ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ስሪል ራማ ፎሳ ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ አንትበፅሑ ሚኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይረሙሎም።
መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “መከሓሓሲ ፍትሒ ንፍሪካውያንና ዘርኣ-ኣፍሪካውያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚን ፅባሕን ክካየድ ኢዩ፡፡