ፕሬዚዳንት ፑቲን ምስ ትራምፕ ንምርኻብ ደልዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ምስ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንምርኻብ ደልዊ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ፑቲን ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ “ዶናልድ ትራምፕ ክረኽበኒ አንተደሊዩ ድልዊ ኢየ” ኢሎም።
ከልቲኦም መራሕቲ ንመወዳእታ ጊዘ ብኣካል ዝተራኸብሉ ኣብ 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተሰናድአ ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ 20 ከምዝኾነ ብምዝኽካር ኣብቲ እዋን ክልቲኣዊ ርክብ ከምዝገበሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጋስ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ፕሬዚዳንት ብምዃን እንተተመሪፆም ኣብ መንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዘሎ ኲናት ኣብ 24 ሰዓታት ደው ከምዘብሉ ገሊፆም ኢዮም።