ፕሬዚዳንት ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንምዝታይ ድልዊ ከምዝኾኑ ክሬምሊን ኣፍሊጣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ዶናንድ ትራምፕ ንምዝታይ ድልዊ ከምዝኾኑ ክሬምሊን ኣፍሊጣ።
ኣቐባሊ ቃል ክሬምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፥ ሩሲያ ምስ ትራምፕ ንዝግበር ዘተ ናይ ዋሽንግተን ምላሽ ትፅበ ከምዘላ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፥ ሩሲያ ምስ ዩክሬይን እትገብሮ ኲናት ብህፁፅ ደው ንምባልን ኣፅዋራት ኒውክሌር ቅነሳ ብዝምልከት ምስ ፑቲን ምዝርራብ ከምዝደሊዩን ምግላፆም ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ክሬምሊን እቲ ዘተ ፕሬዚዳንት ፑቲን እውን ይደልዩዎ ኢዮም ምባሎም ሮይተርስ ፀብፂቡ።