Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት ሎጅ ገርዓልታ ኣብዚ ዓመት ብምዝዛም ግልጋሎት ምሃብ ክጅምር ኢዩ- ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኢንሼቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተጀመረን ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ዝኾነን ሎጅ ገርዓልታ ህንፀቱ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብረሃም በላይ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ሒዝናዮ ዝኒሄና በጀት ዓመት ብምዝዛም ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጅምር ገምጊምና ተኣማሚንና ኣለና ኢሎም።

እዚ ድማ ዋሕዚ በፃሕቲ ሃገርናን ወፃእን ክብ ከምዘብል ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ፥ ብብርኪ ሃገር ልዑል ቆላሕታ ዝተውሃቦ ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ መናእሰይ እቲ ኸባቢን ክልል ትግራይን እውን ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።

እቲ ልዑል ረብሓ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ዘለዎ ፕሮጀክት ሎጅ ገርዓልታ ብመንግስቲ ፌደራል ከምዝህነፅ ብምግላፅ፥ ህንፀቱ እንትዛዘም ንብዓል ዋንኡ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ዝርከብ ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ንምትግባር ርብርብ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ብኸይዲ መሪሕ ሓሳብ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ሓሳብ ናብ ግብሪ እናለወጥና፤ ፍፃምኡ እውን እናብሰርና፣ ካልእ ሓደሽቲ ረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ክብ ዘብሉ ፕሮጀክትታት እናተለምና ህዝብናን ክልልናን ኣብ ጎደና ልምዓት ክነዕስል ክንረባረብ ይግባእ ከብሉ መልእኽልቶም ኣመሓላሊፎም።

ኣካል ፕሮጀክት መኣዲ ንትውልዲ ዝኾነ ከይዲ ፕሮጀክት ገርዓልታ ሎጅ ብመንግስቲ ፌደራል ኣቢሉ ዝህነፅ ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብ ወረዳ ሓውዜን ጣብያታት ደብረብርሃንን መጋብን ዝህነፅ ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.