114 ተወሳኺ ከተማታት ተጠቀምቲ 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ኔትወርክ ኮይነን
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዞባ ባሌ፣ ዞባ ኣርሲ፣ ምብራቕ ባሌ፣ ዞባ ምዕራብ ኣርሲን ዞባ ምብራቕ ሸዋን ዝርከባ ተወሰኽተ 114 ከተማታት ተጠቀምቲ ቅልጣፈ ዘለዎ ኣገልግሎት 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ሞባይል ኔትወርክ ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ትካል እናወገኖ ዝነበረ ሰፊሕ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ኔትወርክ ብምዝዛም ኣብ ሪጂን ደቡብ ምብራቕ 58 ከምኡ እውን ኣብ ሪጅን ደቡብ ምብራቕ 56 ብድምር 114 ከተማታት ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡
4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ኔትወርክ ዝለዓለ ቅልጣፈ ዘለዎ ርክብ ኢንተርኔት ጋህዲ ኣብ ምግባር፤ ሓደሽቲ ዕድላት መካተቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዕቤት ንምኽፋት ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።
ኢትዮ ቴሌኮም ዝለዓለ ቅልጣፈ ኢንተርኔት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብምስፍሕፋሕ መካተቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ እጃሙ ንምውፃእ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ንፋና ዲጂታል ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡