Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

March 2020

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ቀ/ሚ ካናዳ ስልኪ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቫይረስ ኮሮና ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቦም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ብስልኪ ተዛቲዮም። እብቲ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ዝርገሐን መከላኸሊ መገዲታትን እቲ ቫረስ ኣድሂቦም…

ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ምዕራፍ ህንፀት ብሄራዊ ስታዲየም ንምጅማር ዘኽእል ስነ-ስርዓት ፌርማ ተሳሊጡ። ስራሕቲ ተቛራፃይነት ብኮርፖሬሽን ስቴት ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ቻይና፤ ኤም ኤች ኢንጅነሪንግ ድማ ብኣማኻሪነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገርጂ ዝህነፅ…

ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫረስ ኮሮና ንምዕጋት ዶባታ ካብ ዝውውር ሰባት ዓፂያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ቫረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምዕጋት ኩሎም ዶባታ ኢትዮጵያ ካብ ዝውውር ሰባት ከምዝተዓፀዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። እቲ ምዕፃው ዶብ፥ ቀረብ ሎጂስቲክስ ንምቕራብ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዘየሓውስ እውን…

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ መሰራቲት ሆስፒታል ፌስቱላ ኢትዮጵያ ዶክተር ካትሪን ሃምሊን ተፈፂሙ። ስነ-ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ዶክተር ካትሪን ሃምሊን፥ ስድራ ቤተን፣ ዘመድ ኣዝማድን ፈተውቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ መንበሪ ገዝአን ሎሚ ንጉሆ ከምዝተኻየደ…

ኣብ ቤት ህንፀት ኮሎምቢያ ምስ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ብዝተልዓለ ዓመፅ ልዕሊ 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤት ህንፀት ኮሎምቢያ ምስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ብዝተልዓለ ዓመፅ ልዕሊ 23 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። እቲ ዓመፅ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቦጎታ ዝርከብ ዓቢዩ ቤት ህንፀት ዝተልዓለ እንትኸውን፥ ካብቶም ዝሞቱ…

ግልጋሎት ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ቁፅሪ ተሳፈርቲ ነክዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ግልጋሎት ትራንዚት ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ቁፅሪ ተሳፈርቲ ብምንካይ ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ። ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ እቲ ስጉምቲ ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር…

ኣብ ማእኸላት ፈሊኻ መፅንሒ ዝኣትዉን ወፃኢኦም ክሽፍኑ ዘይኽእሉን ኢትዮጵያውያን ሙሉእ ወፃኢኦም መንግስቲ ክሽፍን ኢዩ – ኢንጂነር ታከለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ፀኒሖም ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ናብ ማእኸላት ፈሊኻ መፅንሒ ዝኣትዉን ወፃኢኦም ክሽፍኑ ዘይኽእሉን ወገናት ሙሉእ ወፃኢኦም መንግስቲ ከምዝሽፍን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣፍሊጦም።…

ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መገደኛታት ን14 መዓልቲ ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ቦታ ምእታው ግቡእ ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣትዉ ኩሎም መገደኛታት ተግባራዊ ዝኸውን ን14 መዓልቲ ናብ ፈሊኻ መፅንሒ ቦታ ምእታው ግቡእ ሎሚ መዓልቲ ከምዝጅመር ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር፥ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መገደኛታት ኣብ ሆቴላት ስካይ ላይትን ጊዮንን…

ሕዚ እውን ሙሉእ ቀልብናን ትኹረትናን ኣብ ቀንዲ ውራይና ክኸውን ይግባእ – ዶክተር ደበረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ክልል ዝተጣየሸ ግብረ ሃይልን ብሰብ ሞያ ጥዕናን ዝወሃብ ምኽርን ሓገዝን ብሙሉእ ልቢ ብምቕባል ቫይረስ ኮሮና ምክልኻል ከምዝግባእ ምክትል ርእሰ መምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደበረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እዙይ…

ህዝቢ ትግራይ ንቫይረስ ኮሮና ካብ ዘቃልዑ ተግባራት ተዓቂቡ እቲ ለበዳ ሕማም ንኽከላኸል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህዝቢ ትግራይ ንቫይረስ ኮሮና ካብ ዘቃልዑ ተግባራት ተዓቂቡ እቲ ለበዳ ሕማም ንኽከላኸል ሓላፊ ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቶም ሓላፊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት…