Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

March 2020

መንግስቲ ኦሮሚያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ወሰኽ ዋጋ ንዝገበሩ ልዕሊ 1 ሺሕ ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኦሮሚያ ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ 1 ሺሕን 85 ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ወሲዱ። ብተወሳኺ 13 ነጋዶ ንፍርዲ ከምዘቕረበ ተገሊፁ። ኣብቲ ክልል ምስፍሕፋሕ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት…

መናእሰይ ካብ ቫይረስኮሮና ከምልጡ ከምዘይኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መናእሰይ ካብ ቫይረስ ኮሮና ከምልጡ ስለዘይኽእሉ ማሕበራዊ ርሕቐቶም ሓልዮም ጥንቃቐ ክገብሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣተሓሳሲቡ። ብብርኪ ዓለም በዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝሞቱ ሰባት 11 ሽሕ ከም ዝበፅሐ ብምግላ ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ዋላ'ኳ ኣረጋውያን ዚያዳ…

ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ 500 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦርድ ዳይሬክቶሬት ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ብመለከዕ ደገፍ ዝወሃብ 500 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ኣፅዲቑ። 250 ሚሊየን ዶላር ብሓገዝ 250 ሚሊየን ዶላር ድማ ብመልክዕ ልቓሕ ዝወሃብ ከመዝኾነ ተገሊፁ። ዕላማ እቲ ደገፍ ገንዘብ፥ ኣብ ኢትዮጵያ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝገብሮ በረራ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣቋሪፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝገብሮ በረራ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ምቁራፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ መገደኛታት ን14 መዓልቲታት ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ…

ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኸቦ ጃፓናዊ ውልቀ ሰብ ርክብ ምስ ዝነበሮም ሰባት ተራኺቡ ዝነበረን ትማሊ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና…

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝረተረኸቦ ጃፓናዊ ውልቀ ሰብ ርክብ ምስ ዝነበሮም ሰባት ተራኺቡ ዝነበረን ትማሊ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሉን ጋዜጠኛ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኑ…

ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዝተዳለወ ሓፂር መልእኽቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እውን ተራኢዩ ኣሎ። ነዙይ መሰረት ብምግባር ድማ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት ብዝምልከት ብቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ሓፂር መልእኽቲ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሺሻ እናትከኹ ዝተረኸቡ 150 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ፀባብ ገዛ ተኣኪቦም ሺሻ እናትከኹ ዝተረኸቡ 150 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣፍሊጡ። ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምቁፅፃር ኣናተገበረ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ፃዕሪ፥ ስግኣት…

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብር 20 ሚሊየን ሰሊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ብር 20 ሚሊየን ሰሊዑ። ዋና ፀሓፊ እቲ ማሕበር ዶክተር መሸሻ ሸዋረጋ፥ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ምስ ፌዴሬሽናት ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሒን…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒላት ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋት ጠየቕቲ ከየኣትዉ ከልኪለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒላት ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምዕጋትን ድሕንነት ተሓከምቲ ንምሕላውን ብዝብል ዝተፈላለዩ ውሳነታት እናመሓላለፋ ይርከባ። ኮሌጅ ሕክምና ሆስፒታል ሚሊኒየም ቅዱስ ጳውሎስ ድሕንነት ተገልገልቲ ንምሕላው ብዝብል ኣብ…

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ 767 ትካላት ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ 767 ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ ገሊፁ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮቪድ-19 ኣብታ ከተማ ምእታዉ ስዒቡ ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋን ፀገም ቀረብን ከይፍጠር ብዝብል…