Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

April 2020

ፈላሞት ተረባሕቲ ፕግራም ውሕስና ምግቢ ከተማታት ናይ ሰለስተ ወርሒ ቅድመ ክፍሊት ንኽኽፈሎም ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ፕሮጀክት ስትሪሚንግ ልምዓታተዊ ሴፍቲኔት ከተማማታት ፌዴራል ፈላሞት ምስ ቫይረስ ኮሮና ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከቡ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብሩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ምስ ፕሮጀክት ውሕስና ምግቢ…

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ፅባሕ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከሳልጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራC 5ይ ዘበን 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ ፅባሕ 1 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከምዘሳልጥ ርክብ ህዝብን ግልጋሎት ኮንፈረንስ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ። ርክብ ህዝብን ግልጋሎት ኮንፈረንስ እቲ ቤት ምኽሪ…

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ህፁፅ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ህፁፅ ኣኼቡኡ የሳልጥ ኣሎ። ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ እቲ ኣኼባ፥ ኣብ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮናን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ከመሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። እቲ ኮሚቴ ኣብ ምክልኻል ለበዳ…

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ብቫይረስ ኮሮና 1 ሺሕን 150 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓት ብቫይረስ ኮሮና 1 ሺሕን 150 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ብብርኪ ዓለም ዝለዓለ ሞት ዘመዝገበት ኮይና ኣላ። ፈረንሳይ ካብ…

ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከምዘየብል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝህቦም ኣገልግሎታት ደው ከምዘየብል ገሊፁ። እቲ ትካል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝሓበሮ፥ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ካብ ካሊእ እዋን ብዝተፈለየ ወሰኽ ቁፅሪ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ክሊ ኮቪድ-19 ብምድሃብ ብስልኪ ተዛቲዮም። ክልቲኦም መራሕቲ፥ እቲ ቫይረስ ንዘስዕቦ ምንጋዕ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ጉዳይን ብኣግባቡ ምላሽ ንምሃብ ብዘኽእል…

ኣብ ኢትዮጵያ ወዲ 9 ኣዋርሕ ህፃን ሓዊሱ 8 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ 8 ተወሰኽቲ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም። በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኸፉ እቲ ሓደ ወዲ 9 ኣዋርሕ ህፃን እንትኸውን፥ ኣዲኡ እውን ብቫይረስኮሮና ከምዝተትሓዘት ተገሊፁ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ንግልጋሎት ዜና…

ሚንስትር ምክልኻል ሰራዊት ኮትዲቯር ሃሚድ ባካዮኮ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚንስትር ምክልኻል ሰራዊት ሃገረ ኮትዲቯር ሃሚድ ባካዮኮ ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም። እቶም ሚንስትር ምክልኻል ሰራዊት ዝኾነ ዓይነት ምልክት እቲ ቫይረስ ከምዘይተረኣዮም ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብዝተገበረሎም ምርመራ ላቦራቶራ ግን ቫይረስኮሮና…

ኣፍሪካ መፈተኒት ክታበት ኮቪድ-19 ክትከውን ከምዘይብላ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጄነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ “ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪካ ክፍተን ኣለዎ” ንዝብል ርእይቶ ብትሪ ነቒፎም። ነቲ ርእይቶ ዘቕረቡ ክልተ ፈረንሳውያን ዶኳትር እንትኾበኑ “ዓሌታዊ” ክብሉ ዶክተር ቴድሮስ…

ኣብ ትግራይ ምርመራ ዝተገበረልም 21 ብቫይረስኮኖና ዝተጠርጠሩ ሰባት ውፅኢት ምርመረኦም ነፃ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ትግራይ ስራሕቲ ምርምራ ኮቪድ-19 ብዕሊ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝተቐበሎም 21 ጥሩጡራት ቫይረስኮሮና ዉፅኢቶም ካብቲ ቫይረስ ነፃ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ኢንስቲትዩት ሕብረተሰብ ቐንዲ ትኹረቱ ኣብ ወሰንቲ መከላኽሊ ሜላ እቲ…