Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

October 2020

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንሱዳን ካብ መዝገብ ደገፍቲ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ዘልዕላ ክታም ኣንቢሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክትምስርት ከምዝተሰማምዐት ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ ድሕሪ ምልዓሎም'ዩ ነቲ ምስ እስራኤል ዝተበፅሐ ስምምዕ ኣፍሊጦም።…

ኣብ ኣፀባፅባ ምርጫ ዘድሃበ ስልጠና ንጋዜጠኛታት ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፀባፅባ ምርጫ ዘድሃበ ስልጠና ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ዓዲ ሎሚ መዓልቲ ይወሃብ ኣሎ። እቲ ስልጠና “ዩ ኤስ ኤጀንሲ ፎር ግሎባል” ሚድያን ድምፂ ኣሜሪካን ኢዮም ኣሰናድአምዎ። እቲ ስልጠና ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሰለማዊ፣…

ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ብዝተገበረ ምርመራ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ተወሰኽቲ 536 ሰባት ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 6 ሺሕን 538 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 536 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 92 ሺሕን 229…

ዶናልድ ትራምፕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ካብኦም ትፅቢት ዘይግበር ኢዩ – ሴናተር ጄሰን ክሮው

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ ካብኦም ትፅቢት ዘይግበር ኢዩ ክብሉ ሴናተር ኣሜሪካ ጄሰን ክሮው ተቓዊሞምዎ። እቶም ሴናተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ከምዝበልዎ፥ “ግብፂ ህዳሰ ግድብ…

ኩሉ ሰብ ኣብዘለዎ ብምዃን ንኢትዮጵያ 24 ሰዓት ዘብዒ ክኾን ይግባእ – ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩሉ ሰብ ኣብዘለዎ ብምዃን ንኢትዮጵያ 24ሰዓት ዘብዒ ክኾን ከምዝግባእ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ብፅንዓት ህዝባ ደው ዝበለት ሃገር ኢያ ዝበለ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ህይወቶም ገቢሮም ክእዝዝዋ ብዝተዳለዉ ደቃ እንበር ንኡሽተይ…

ምዝገባ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምዝገባ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝጅመር ሚኒሰስትር ትምህርቲ ኣፍሊጡ። እቲ ምዝገባ ካብ 16 ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ኩለን ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝካየድ ኢዩ እቲ ሚኒስትር ግሊፁ ዘሎ። ከይዲ ምዝገባ…

ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ካብ ጣና በለስ ናብ ባህርዳር ዝኸይድ 400 ኪሎ ቮልት ኣብ ዝሽከም መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዘጋጠመ ፀገም…

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ልዕሊ ብር 500 ሚሊየን ንግድብ ህዳሰ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ልዕሊ ብር 500 ሚሊየን ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ገንዘብ ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይሉ ኣብራሃም ከምዝገለፁዎ፥…

ቻይና ኲናት ከምዘይትፈርሕ ዢ ጂምፒንግ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕዚዳንት ቻይና ዢ ጂምፒንግ ሃገሮም ኲናት ከምዘይትፈርሕን ኣብ ሉኣላዊነት፣ ድሕንነትን ልምዓትን ዘለዋ ድሌት ትሑት ተገይሩ ክረአ ከምዘይትፈቅድን ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ጦር ቻይና ናብ ኲናት ኮሪያ ዝኣተወሉ መበለ 70 ዓመት ምኅንያት ብምግባር…

ሕብረተሰብ 14 ዝኾኑ ፍርያታት ጠስሚ ለዉዝ ከይጥቀም በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን መድሓኒትን ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረተሰብ ልዑል ዝኾነ ኣፈርላ ቶክሲን (Aflatoxine) ዝተረኸቦም 14 ዝኾኑ ፍርያታት ጠስሚ ለዉዝ ከይጥቀም በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። እቲ በዓል መዚ ብዝገበሮ ቁፅፅርን ፍተሻን ኣቢሉ ብዝተገበረ ምርመራ…