Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

June 2021

ቤት ምኽሪ ዓፋር ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ንመፈፀሚ ፕሮጀክታት ዝኸውን ልዕሊ 630 ሚሊየን ብር ተወሳኺ በጀትን ብምፅዳቕ ጉባኤኡ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ንመፈፀሚ ፕሮጀክታት ዝኸውን ልዕሊ 630 ሚሊየን ብር ተወሳኺ በጀትን ብምፅዳቕ ሳልሳይ ስሩዕ ጉባኤኡ ዛዚሙ። እቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ ዝጀመሮ ጉባኤኡ፥ ኣብ በጀት እዚ ዓመት ኣብቲ ክልል ንዝተሳለጡ…

ሌ/ጄነራል ኣስራት ዴኔሮ ካብ ዞባ መተከል ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና መተሓባበሪ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ዞባ መተከል ሌተናል ጄነራል ኣስራት ዴኔሮ ካብ ዞባ መተከል ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት መሊስካ ንምጥያሽ እናተሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ዑደት ኣካይዶም። ተመዛቢሎም ዝነበሩ ዜጋታት ብዘላቒ መሊስካ ንምጥያሽ በቲ…

ኣብ ከባቢታት መውፅኢ መዓድን ዝፍጠሩ ፀገማት ፀፅታ መፍትሒ ከምዘድሊዮም ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢታት መውፅኢ መዓድን ዝፍጠሩ ፀገማት ፀፅታ መፍትሒ ንኽርከብ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ሚኒስቴር መዓድንን ነዳዲን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ክልላት ኣብ ዝተገበረ ዘተ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ወይዘሮ ፍሬኣለም ሽባባው ተሳቲፈን።…

ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ትራንስፖርት ልዕሊ 4 ሺሕ ፈልሲታት ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ተፀዋዕቲ ትካላቱን ኣብ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ሉሚ ብመርሃ ግብሪ “ንኢትዮጵያ ንኽደና” ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 4 ሺሕ ፈልሲታት ተኺሎም። ሚኒስትር ታራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ ዝማዕበለትን…

መረፃ ዕዉት ኮይኑ ንኽዛዘም ርኡይ ብፅሒት ዘበርከቱ ኣካላት ሰብ ውዕለታ ሃገር ኢዮም – ኣይተ ርስቱ ይርዳው

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ሃገራዊ መረፃ ዕዉት ኮይኑ ንኽዛዘም ርኡይ ብፅሒት ዘበርከቱ ኣካላት ሰብ ውዕለታ ሃገር ከምዝኾኑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ገሊፆም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ እቲ ክልል ኣብ ድሕሪ መረፃ ተግባራት ልምዓት…

መረፃ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ምዝዛሙ ታሪኻዊ ዓወት ኢዩ – መድረኽ ሓበራዊ ምኽክር ፓርቲታት ፖለቲካ ኦሮሚያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ምዝዛሙ ታሪኻዊ ዓወት ከምዝኾነ መድረኽ ሓበራዊ ምኽክር ፓርቲታት ፖለቲካ ኦሮሚያ ኣፍሊጡ። እቲ መድረኽ ምኽክር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝተኻየዱ መረፃታት…

ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 3 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ መምርሒ ፖሊስ ቤኒሻንጉልጉም ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ኣርባዕተ ሰባት ብምኽኒያት እቲ ሓደጋ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ በርጌስ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ…

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለይ ምስ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቦ መንበር ጥምረት ኣፍሪካ ግሪን ሪቮልዩሽንን ሃይለማሪያም ደሳለይ ምስ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ኡሁሩ ኬንያታ ተዛቲዮም። ኣብ መፃኢ ወርሒ መስከረም ኣብ ኬኒያ ብዛዕባ ዝካየድ ኣኼባ ጥምረት ኣፍሪካ ግሪን ሪቮልዩሽን…

ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ  ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ

አዲስ ኣበባ ፣ 19 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ  ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘሰልጠኖም ልዕሊ 2 ሺሕን 400 ተምሃሮ ኣመሪቑ። እቲ ዩንቨርስቲ ንመበል ሻምናይ እዋን ዘመረቐ እንትኸውን፥ እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ ብመርሃ ግብራ ቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ዝሰልጠኑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።…

ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ብዝተፈፀመ ቅትለት ኣባላት ዶብ ኣልባ ሓካይም ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብግብረ ራዕዲ ተረፍ መረፍ ህወሓት ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ዝነበሩ ንፁሃን ዜጋታት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ። ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር አብርሃም በላይ፥…