Fana: At a Speed of Life!
Monthly Archives

February 2022

ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብከይዲ ሙግት ገበን 4 ሺሕን 630 ክሲ ከምዝተቛረፀ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣26 ጥሪ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ብከይዲ ሙግት ገበን ተኸሰስቲን ምስክራትን ብዘይምቕራብ ምኽኒያት 4 ሺሕን 630 መዛግብቲ ክሲ ከምዝተቛረፀ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ። እቲ ሚኒስቴር ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋረሕ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ። ክሶም…

ሓድጊታት ኢትዮጵያ ንምሕላውን ዓቕሚ ሰብ ሞያ ሓድጊ ንምህናፅን ዝሕግዝ ልዝብ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳሳይ፣ ስፔን፣ ፖርቹጋልን ሞናኮን ዝኾኑ ኣምባሳደር ሄኖክ ተፈራ ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ቤት ምኽሪ ሓወልቲታትን ታሪኻዊ ቦታታትን (ICOMOS) ቴሬሳ ፓትሪሲዮ ውፅኢታዊ ዘተ ከምዘካየዱ ገሊፆም። እቶም ኣምባሳደር፥…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓዳሪ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ያቤሎ ኢፋ ቦሩ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሓዳሪ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ያቤሎ ኢፋ ቦሩ ዑደት ገይሮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ዘሎ ኩነታት ሓደጋ ድርቂ ንምዕዛብ ሎሚ መዓልቲ ናብቲ ከባቢ ምኻዶም ይፍለጥ። ብኣልኣዛር ታደለ…

ኣብ ከተማ ደሴ ዝተፈላለዩ ናይ ሕሶት ኖታት ብርን ዘይሕጋዊ ጠያይቲን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ደሴ ማእኸል ዕዳጋ ኣራዳ ዝተፈላለዩ ናይ ሕሶት ኖታት ብርን ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ሽጉጥን ብሬንን ከምኡ እውን 8 ካዝናታት ከምዝተትሓዙ ዋና ጣቢያ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ምክልኻል ገበን እቲ ጣቢያ ሓጋዚ ኢንስፔክተር…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዞባ ቦረና ኩነታት ሓደጋ ድርቂ ንምዕዛብ ናብ ቦረና ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዞባ ቦረና ኩነታት ሓደጋ ድርቂ ንምዕዛብ ናብ ቦረና ኣምሪሖም። ብተወሳኺ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ቦሮና ኣቲዮም። ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ…

ኢትዮጵያ ካብ ዝተወሰና ሃገራት ኣንፀላሊዩዋ ዝነበረ ልዑል ፅዕንቶ ክትሓልፍ ዝኸኣለት ብኣፍሪካውያን ሓገዝ ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተወሰና ሃገራትን ኣንፀላሊዩዋ ዝነበረ ልዑል ፅዕንቶ ክትሓልፍ ዝኸኣለት ብኣፍሪካውያን ሓገዝ ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ…

ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ናብ ፍፃመ ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 33 ፅዋዕ ኣፍሪካ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ንቡርኪናፋሶ ብምስዓር ናብ ፍፃመ ሓሊፋ። ሳድዮ ማኔ ኮኾብ ኮይኑ ኣብ ዘምሰየሉ ፀወታ ሴኔጋል 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ናብ ፍፃመ ሓሊፋ…

ኣዲስ ኣበባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብድሙቕ ኩነታት ንምቕባል ተዳሊያ ኣላ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብድሙቕ ኩነታት ንምቕባል ተዳሊያ ኣላ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ከምዝበልዎ፥ ብምኽኒያት ኮቪድ 19 ንክልተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ጉባኤ መራሕቲ…

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ 37 ኣባላት ሸኔ ብሰላም ኢዶም ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጋንጂ 37 ኣባላት ሸኔ ብሰላም ኢዶም ንመንግስቲ ከምዝሃቡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ። እቶም ኣባላት መንግስቲን ኣባገዳታትን ዘቕረቡዎ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ኢዮም ኢዶም ሂቦም ዘለዉ፡፡ ኣብቲ…

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ውፅኢታት ፈጠራ ቴክኖሎጂ ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ ኣብ ዘፈራት ማይ፣ ምግቢን ኢነርጂን፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሃፍቲ ሰብን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ኣፍሪካዊ ዝኾኑ ውፅኢታት ፈጠራ ቴክኖሎጂን ምርምርን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ። ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ…