Fana: At a Speed of Life!

325 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ- ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትጓዓዓዝ ዝነበረ 325 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላትን፥ “ብፅርየት ናብ ስሉጥ ስርዓት ንግዲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት 6 ኣዋርሕ የካይዱ ኣለዉ።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ሰደድ ወፃኢ 3 ነጥቢ 28 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሎም።

ንሃገር ኩርዓት ዝኾነ መንደር ፅርየት ንኢትዮጵያ ብዝውክልን ብዝነኣድን ደረጃ ተሃኒፁ ምዝዛሙ እውን ሓቢሮም።

ኣወሃህባ ኦንላይን ምዝገባን ኣወሃህባ ፍቓድን ንግዲ ንስርዓት ንግዲ ምቹእ ንክኸውን ብምግባር ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

ኣብ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 2 ሚሊየንን 50 ሺሕ ኣገልግሎት ፍቓድ ምዝገባ ንግዲ ከምዝተውሃበ ተዛሪቦም።

ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትጓዓዓዝ ዝነበረ 325 ሺሕ ሊትሮ ነዳዲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.