513 ትካላት ዓውዲ ኢነርጂ መረጋገፂ ብቕዓት ከምዝወሰዳ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ 513 ትካላት ዓውዲ ኢነርጂ መረጋገፂ ብቕዓት ከምዝወሰዳ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ገሊፁ።
ብኤሌክትሮ መካኒካልን ኤሌክትሪካል ስራሕቲን ተቛረፅቲ ከምኡውን ብኤሌክትሪካል ኢንጂነሪንግ ናይ ምምኻር ኣገልግሎት መረጋገፂ ብቕዓት ይወሃብ ከምዘሎ ኣብቲ በዓል ስልጣን ሓላፊ ዴስክ መረጋገፂ ብቕዓት ትካላት ኢነርጂ ቀለሙ ታመነ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ን326 ትካላትን ኣብ 2017 ዓ.ም ን187 ትካላትን ብቕዓት መረጋገፂ ከምዝተውሃበ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም።
ብመሳፍንት እያዩ