64 ሆስፒታላት ንዲጂታል ስርዓት ጥዕና ዝሕግዙ ናውቲታት ተረኪበን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ንግልጋሎት ዲጂታል ስርዓት ጥዕና መጀመሪ ዝኮና 642 ኮምፒውተራት ኣብ ክልላት ንዝርከባ 64 ሆስፒታላት ኣረኪቡ፡፡
ግልጋሎት ዲጂታል ስርዓት ጥዕና እዋኑ ብዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ተሓጊዙ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ኣየለ ተሸመ ተዛሪቦም፡፡
ግልጋሎት ዲጂታል ስርዓት ጥዕና ንምጅማር ኣብተን ትካላት ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ዝተማልአ ናውቲታት ንኽህልው ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ 800 ዝኮና ትካላት ጥዕና መረዳእታ ብስርዓት ደጂታል እናተዋደዳ ከምዝኾናን ግልጋሎት ክፍሊት ናብ ስርዓት ዲጂታል ንምእታው ኣብ ከይዲ ከምዝርከባን ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን 117 ዝኾና ትካላት ጥዕና ተረባሕቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ከምዝኾና ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡