7 ሺሕን 831 ሊትሮ ዘይሕጋዊ ቤንዚን ተታሒዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብናይ ፅዕነት ኣይሱዙ ተሽከርካሪት እናተዘዋወረ ዝነበረ 7 ሺሕን 831 ሊትሮ ዘይሕጋዊ ቤንዚን ተታሒዙ።
እቲ ዘይሕጋዊ ቤንዚን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራኒዮ ፍሉይ ባታኡ ካብ ኣንፎ ኣደባባይ ናብ ጦርሃይሎች ኣብ ዝወስድ መገዲ ብኣይሱዙ ተሽከርካሪት ተፃዒኑ እንትዘዋወር ብፖሊስ ከምዝተትሓዘ ተሓቢሩ።
ዝተትሓዘ ቤንዚን ኣብ ቀረባ ዝርከብ መዕደሊ ነዳዲ ንኽሽየጥ ብምግባር 794 ሺሕን 611 ብር ምስ 57 ሳንቲም ብፋይናንስ ዕፁው ኣካውንት ክኣቱ ከምዝተገበረ ካብ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ተመሳሳሊ ተግባራት ንምቁፅፃር ንኽከኣል ሕብረተሰብ ዝተለመደ ምትሕብባር ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ።