ዘበን ስራሕ ኮሚሽን ዘተ ንክናዋሕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓቲቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘበን ስራሕ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ንክናዋሕ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓቲቶም።
እቶም ኣባላት እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ንሃገራዊ ዘተ ዝሕግዙ ምትእኽኻብ ኣጀንዳታት ሓዊሱ ብዙሓት ተግባራት ከምዘካየደ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ እቲ ኮሚሽን ክምስገን ከምዝግበኦ ሓቢሮም።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ውሽጢ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምዃን ብዙሓት ዕዉታት ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ብምግላፅ፥ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ብዘይምዝዛሞም ዘበን ስርሑ ንክናዋሕን ንሃገርን ሀዝብን ኣዝዮም ዝረብሑ ስራሕቲ እቲ ኮሚሽን ንክዛዝምን ኣፅንኦት ብምሃብ ሓቲቶም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ከይዲ ዘተ ኣብ ታሪክ ፈላማይን ዘይርከብን ዕድል ኢዩ ብምባል፥ እቲ ኮሚሽን ዝጀመሮም ስራሕቲ ንብዙሕ ዓማውቲ ሕቶ ህዝቢ ከምዝነበሩን ናብቲ ዘተ ቀሪቦም ህዝቢ ተዛቲዩሎም መፍትሒ ንክርከብ ዝገብሩ ኢዮም ኢሎም።
እቲ ኮሚሽን ክሳብ ሐዚ ኣብ 10 ክልላትን 2 ምምሕዳር ከተማታትን ብዝሰርሖም ስራሕቲ ህዝቢ ተስፋ ከምዝሓዘ ኣብሪሆም።